ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት አቁሑት ፅሬት መለዋወጢ አቁሑት መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ክልል ትግራይ

ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቑሒ ክተማልኡ ይዕድም

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዝተሐደሰ ናይዚ ዘመን ዓም ክተቅርብ አለኩም

2 ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምዎ TIN ሰርቴፊኬት ክተቅርቡ አለኩም

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ስርቴፊኬት ናይ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓም ዴክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርበጁ አለኩም

4 ናይ መቅረባይነት ሰርቴፌኬት ሓዱሽ ካብ ጥሪ 1/2005 ዓም ዝተመዝገብኩምን ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ክከዉን አለዎ

5 ጨረታ ሰዓርቲ ሰዓራይ ምኻንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ 15 ተከታታሊ መዓልቲ ኣብ ዘይበልፅ ንብረት ብመጠን ብፅሬትን ኣታዊ ክትገብሩን ናይ ዘሸነፍኩምዎ ንብረት መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕልኩም ወፃኢ ከም ዝኮነ ክትፈልጥዎ ይግባእ

6 መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ እቲ ኮፒ እተቅርብዎ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ኣብ ሕድሕድ ገፅን ኢንቨሎፕ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

7 ተጫረቲ ዘይምለስ ንመሳርሒ ፅሕፈትን መለዋወጢ አቁሑ መኪናን 100 ብር ንአቁሑት ፅሬት ድማ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋንብ ምምር ካብ 25/1/2010 ዓም ክሳብ 10/2/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ብዝተዓሸገ እንቨሎፕ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 6000 ብር ንአቁሑት ፅሬትን ንአቁሑት ፅሬትን ድማ 3000 ብር ብCPO ክትሕዙ እትክእሉ

9 ተጫረቲ ቫትን ዊዝ ሆልዲንግን ኣብ ቢሮ ተቆሪፁ አታዊ ዝግበር ምካኑ ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ዝሰዓርክምዎ ንብረት ድምር ልዕሊ ብር 5000 እንተኮይኑ ኤጀንስና ቫት ዝቆርፅ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

10 እቲ ጨረታ ዕለት 10/2/2010 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጉሆ ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

11 ኤጀንና ዝሐሸ መማረፂ ተረኪቡና እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ 20% ምዉሰክን ምቅናስን ዝክእል ምካኑ ነፍልጥ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ቀበሌ 17 ጥቃ ገብሬእል ቤተ ክርስትያን ዕደጋ ብዕራይ ስልኪ ቁፅሪ 0342415092

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo