ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፋለለዩ ንብረት ካብ ስሩዕ በጀት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት

ሎት 2 አቁሑት ፅሬት

ሎት 3 አቁሑት ኤለክትሮኒክስ

ክማልኡ ዝግብኦም

  1. ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን
  4. በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2009 መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል
  5. ናይ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  6. ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ቅርሺ ንአቁሑት ፅሬት 2000 ቅርሺ ንአቁሑት ኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል
  7. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
  8. ጨረታ ካብ 22 መስከረም 2010 ዓም ክሳብ 6 ጥቅምቲ 2010ዓም ይፀንሕን እዚ ጨረታ 7 ጥቅምቲ 2010 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት
  9. ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ
  10. ናይ ዝግዛእ አቅሓ ከምአድላይነቱ ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለና
  11. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  12. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480183 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo