ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒመለዋወጢ አቁሑት መኪናን ጎማን ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ሮቆሓ ክተማልኡን ክትወዳደሩን ይዕድም

1 ናይ 2009ን 2010ን ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ

2 2009ን 2010 ን ዓ/ም ዝተሐደሰ መቀረባይነትን ሰርቴፊኬት

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፌኬት

4 ናይ ቫት ሰርቴፊኬት

5 ናይ ወርሒ ሓምለን ነሐሰን 2009 ዓ/ም ዴክሌር ዘገበርኩሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ክተቕርቡ ትኽእሉ::

7 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ ::

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር /እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስለጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንበረት ምምር አብ ኮምፕሌከስ ህንፃ 3 ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 333 ካብ 22/ 01 /2010 ዓ/ም ክሳብ 14/ 02 /2010 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንሎት 1ንመሳርሒ ፅሕፈት 5,000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / : Â ንሎት 2 መለዋወጢ አቁሑት መኪናን ጎማን 4000 ቅርሺ ብ CPO Â ብጥረገንዘብ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ክተትሕዙ ይግባእ

10 ኣብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ልዕሊ 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / እንተከይኑ ቫት 15 % Â ተወሳኪ ታክስ አብ ቢሮ ተቐሪፁ ኣታዊ ይኸዉን::

11 እተቅርብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን20 መዓልቲታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸዉን::

12 እቲ ጨረታ ዕለት 14/ 02 /2010 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምምሕደር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብተወሳኺ ድማ ዘድሊ ደኩሜንት እንተማሊኦም ይኸፈት::

13 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኸቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 251 344 40 34 47 ክትረኸቡና ትኽአሉ ምኮንኩም ንሕብር::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo