ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ሎት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ካበዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተጻሒፉ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ክምትኽእሉ ነፍልጥ::

ሎት 1 ናይ ሕርሻን እንሰሳ መገልገሊ መሳርሒ ኣቑሑት

ሎት 2 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቐሑት

ሎት 3 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ

ሎት 4 ናይ እንስሳ መድሓኒት

ሎት 5 ናይ እንስሳ ምግቢ

ሎት 6 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት

ሎት 7 ናይ ምርምር መሳርሒ ኣቁሑት

01 ብተመሳሳሊ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ዝኸፋልሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል::
02 ናይ ጨረታ መትሐዚ ንሎት 1 (ሐደ) 18000 (ዓሰርተ ሸመንት ሽሕ) ብር ንሎት 2 , ን ንሎት 3 5000 (ሐሙሽተ ሽሕ) ብር ንሎት 4 , ን ንሎት 5, ንሎት 6 , ን ንሎት 7 ብር 2, 000 (ክልተ ሽሕ) ብር ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝተሰርሐ CPO ከትሕዙ ይግባእ::

03 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ተመዘግብቲን ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ አለዎም::

04 ተጫረቲ ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዘዳለዎ ፎርሚ ብትካሎም ሽም ቃለ መሓላ ፈሪሞም ከቅርቡ አለዎም::

05 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቐርብ ዘለዎ እንትኸዉን ዋንኡ ኦርጀናል ምስ ኮፒ ሰነድ ናይቲ ትካለ በዓል ስልጣን ፈሪሞምን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ ናይ ንግዲ ፈቓድ ቲነ ዝተመዝገቡ ቃለ መሓላ ናይ ኣቅራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመነት ከትሓሐዝ አለዎ::

06 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 20 ( ዕስራ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ አብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሰብ ሽምን ፊርማ ኣድራሻን ክግልፁ አለዎም::

07 ጨረታ ከተዓናቕፉ ዝሞከሩ ተጫረቲ ካብቲ ረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ንዘትሓዝዎ ዉሕስና መኽበሪ ጨረታ ኸምዝዉረስን ንቐፃላይ ጨረታ ከይሳተፍ ይግበር::

08 ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03 48 489012 / 03 48 409702 ክሓቱ ይኽእሉ::

09 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት 25 /05 /2007 ዓ/ም እስካብ 16 /06/ 2007 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 16/ 06/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይክፈት ይኹን እምብር ተጫረቲ ጨረታ ኣበ ዝኽፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካበ ምኽፋት ኣይትኣጎጎልን ::

10 ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo