ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ኣብ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ንዝተፈላለዩ ናይ ንብረታት ብምድብ /LOT/ መቂሉ ምድብ 1 ዝተፈላለዩ ናይ ስቴሽነሪ (ፅ/መሳርሒ) : ምድብ 2 ቆዋሚ ንብረት /ፈርኒቸር/ ምድብ 3 ሕትመት ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ TIN ቑፅሪ ሰርተፊኬት ሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ታሕሳስ 2009 ዓ/ም VAT ድክላሬሽ ንሓደ ኣርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል:;

4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰን ምስኽር ወረቐት ሓደ ኣርጅናልን ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር አለዎ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንምድብ 1: ኣብ ወሽጢ 25 መዐልቲ ድማ ንምድብ 2ን ምድብ 3 ኮይኑ እቶም ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ይግበእ::

6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንተ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::

7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ምድብ- ንሎት ሐደን ሰለስተንÂ ዘይምለስ ብር 40.00 /ኣርብዓ ብር/ ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ካብ 4/08/2009 ዓ/ም ክሳብÂ 24/8/2009 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል::

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንነብስወከፍ ሰነድ ጨረታ ንምድብ 1 ንምድብ 2 ምድብ 3 ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ብር 3500.00 ጥራሕ ብሽም ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ Â /Bureau of Justice/ ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 24/8/2009 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓትÂ 9:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 317 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክዉስክ ይክእል እዩ

12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344408714 ደዊልካም ሕታት ይከኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo