ኣብ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ክልል ትግራይ ንቢሮ ስራሕቲ ዝዉዕል ዝተፈላለዩ :- ፅሕፈት መሳርሒ ተዛመድትን : ዲስክቶፕ ኮምፒተር : ላፕቶፕ ኮምፒተር : ናይ ፅሬት ናዉትን ሸልፍን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ

ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ክልል ትግራይ

                                                ናይ ጨረታ ምልክታ

ኣብ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ክልል ትግራይ ንቢሮ ስራሕቲ ዝዉዕል ዝተፈላለዩ :- ፅሕፈት መሳርሒ ተዛመድትን : ዲስክቶፕ ኮምፒተር : ላፕቶፕ ኮምፒተር : ናይ ፅሬት ናዉትን ሸልፍን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደሊ ክተወዳደሩ እትደሊዩ ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት

1 በዚይ መሰረት ሕድሕድ ዝተጠቀሱ ዓይነት ዘርፍታት ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ቫት ተመዝገብቲን Tin No ዘለኩም ኣብቲ ጨረታ ንክትወዳደሩ ፃዉዒት ይገብር::

2 ክትወዳደሩ እትደሊዩ ነጋዶ ህጋዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ፈቓድ ፎቶ ኮፒ ክተቕርቡ ይግባእ::

3 ዝተዳለወ ጨረታ ሰነዱን መምርሒ ጨረታን ዝሓዘ ዝርዝር በአካል ናብ ኤጀንሲና ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ቅርሺ ብምኽፋል ጨረታ ብድምፂ ወያነ ትግራይ መቐለ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት ካብ 23/ 4 / 2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07 /05 / 2007 ዓ/ም ሰዓት 11: 20 ድ/ቀትሪ ምዉሳድ ትኽእሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ናብ ሳፅን ጨረታ ዝአትዩሉ ዕለት ክሳብ 08 /05/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጎሆ ይኾዉን ::

4 ተጫረቲ 3,000.00 /ሰለስተ ሽሕ ቕርሺ / መኽበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ /ሲፒኦ / ወይም ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ትኽእሉ

5 እዚ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 08/05/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ዝኽፈተሉ ዕለት 08/ 05 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ጨረታ ኮሚቴ ተጫረቲ ወይ ህጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝኽፈት ይኸዉን::

6 ኤጀንሲና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይዅን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 በቲ ጨረታ ዝተሸነፈ መቕረብቲ ተጫረቲ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዋጋ ጨረታ ኣናሊስስ ምስ ተወደአን ሰዓራይ ዉዕሊ ምስአሰረን ይምለሶሎም::

8 አቲ ክዕደግ ዝተደለየ ንብረት ሰዓራይ ጨረታ ዝኾነ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 /ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝዝበፀ ስፕስፊኬሽን መሰረት በናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አብ ናይ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 20 መፂኡ ከርክብ ዝኽእል ናይ ቢሮ ሸልፊ ዝሰዓረ መቅረባይ ግን ዉዕሊ ካብ ዘአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 /ዓሰርተ ሓሙሽተ /መዓልቲ ብዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ኣብ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 20 መፂኡ ከርክብ ዝኽእል ::

ኣድራሻ

ትግራይ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስቁ 0344 -404161 0932278704 /0914729563 ተጠቀሙ::

ጥቃ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ህንፃ 5 ደብሪ 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo