ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) አብ ከተማ መቐለ ዋና ዉሽጢ ንትሰረሖ ዘላ ህንፃ ዝዉዕል ናይ እንፀይቲ ማዕፆን ናይ ኤሌክትረከ ቦርድ ጨረታ አወዳዲሩ ምንስራሕን ንምግጣም ትደሊ

ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) አብ ከተማ መቐለ ዋና ዉሽጢ ንትሰረሖ ዘላ ህንፃ ዝዉዕል ናይ እንፀይቲ ማዕፆን ናይ ኤሌክትረከ ቦርድ ጨረታ አወዳዲሩ ምንስራሕን ንምግጣም ትደሊ:: ስለዚ ክጫረቱ ዝደሊዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ብዘሎ መሰረት ክወዳደሩ ዝክእሉ ምኮኖም ንሕብር::

1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫራቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 304 / 50.00 / ቅረሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይክእሉ::

2 ቫት ተመዝገብቲን መለለዩ ቲን ዘለዎም::

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% /ክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መከበሪ /ቢድ ቦንድ /ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገጸ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም::

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተአሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 07/05/2007 ዓ/ም ሰዓት ትሸዓተ /9:00 / ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ኸቅርቡ ይኽእሉ::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 07/05/2007 ዓ/ም ሰዓት 9:15 አበ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝርከብሉ እዩ::

6 አሸናፊ ዝኾነ ተጫራታይ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ዘሎ 20 መዓልቲ ዉሽጢ 5 ማዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሮም እቲ ስራሕ ክጅምሩ ይግባእ::

7 አቲ ድርጅት ዝሓሸ አማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

 

 

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo