ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ካብ መደበኛ በጀቱ ናይ አይቲ : ኤሌክተሮኒከስ : ህንፃን ብረታ ብረትን : ኣዉቶሞቲቭ : ናይ ፅሬት መሳረሒታትን ካልኦት ኣቑሑ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ካብ መደበኛ በጀቱ ናይ አይቲ : ኤሌክተሮኒከስ : ህንፃን ብረታ ብረትን : ኣዉቶሞቲቭ : ናይ ፅሬት መሳረሒታትን ካልኦት ኣቑሑ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ ትኽእሉ::

መምርሒ ተወዳደረቲ / ተጫረቲ/

  1. ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም::

  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉን

  3. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/ VAT ዝተመዝገብኩም: VAT ምዝገባ ሰርተፈኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ VAT ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን::

  4. ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

  5. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካበ ዝአሰርኩመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ አብ ሑመራ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክትቕርቡ እትኽእሉ::

  6. ተጫረቲ አብ ሕድሕድ ምድብ መወዳደሪ (LOT) ቴክኒካል መረዳእታ ቕዳሕ ክተተሓሕዙ ትክእሉ::

  7. መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ : ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፌርማን ዝዓርፎ ክኸዉን አለዎ::

  8. ተጫረቲ ንሕድሕድ ዝወዳደርሉ ምድብ (LOT) መወዳደሪ ዘይምለስ ብር 30. 00 / ሰላሳ / እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ብክመትግራይ ደጋፊ ከስዕፋንምምርን ካብ ዕለት 27 / 04 /2007 ዓ/ም ክሳብ 11/ 05 /2007 ዓ/ም ስዓት 3:00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ዝኽእሉ::

  9. ተጫረቲ ንሕድሕድ ዝወዳደረሉ ምድብ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5, 000. 00 ሓሙሽተ ሽሕ ብር ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

  10. ካብ ጠቕላላ ዝሰዓርዎ 2 % ዊዝ ሆልዲንግ ታክሲ ክኸፍሉ ዝኽእሉ::

  11. እቲ ጨረታ ዕለት 12 /05 / 2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ብ/ክ/መ/ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት :: ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተአጎጎልን

  12. ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

  13. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቕንስ ክዉስክ ይኽእል እዩ::

  14. ተወዳደረቲ እተቕርበዎ ንብረት ኣታዊ ዝኸዉን ብቴክኒክ ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛ ነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ይኸዉን::

  15. ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ተጫረቲ ኦርጀናል ዶክሜንት ሒዞም ክርከቡ አለዎም::

  16. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0344 480510/11 0932 919420 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo