ኩባንያና ንብ ኢንሹራንስ ካሕሳ ከፊሉ ንዝተረከባ ተሽከርካሪት ብዝለቶ ኩነታት ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ።

ኢንሹራንስ ንህቢ

ነዛ ተሽከርካሪት ክትዕድጉ ትደልዩ ኩለኹም ኣብ ከተማ መቐለ ብሩህ ተስፋ ሕብረት ሽርክና ፊት ንፊት የተባበሩት መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መፅንሒ ዝተጎደ ተሽከርከርቲ ብኣካል ኬድኩም ብምርኣይ ክትዕድግሉ እትደልዩ ዋጋ ብሽምዓ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሰብ 20/08/2006 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ህንፃ ኣረጋዊ ሃይሉ ኣብ ዝርከብ ናይ ንብ ኢንሹራንስ ኩባንያ ጨንፈር መቐለ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኣታዊ ብምግባር ክትጫረቱ ትኽእሉ። እቲ ጨረታ 21/08/2006 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ንብ ኢንሹራንስ ኩባንያ ኣ/ማ ጨንፈር መቐለ ተጫረቲ ወይምከዓ ሕጋዊ ወክልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ናይ ጨረታ መቕረብቲ ቕጥዒ ካብ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ብዘይ ኽፍሊት ብምውሳድ በቲ ቕጥዒ መሰረት ዋጋ ምቕራብ ግድን እዩ። ካልኦት ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ዋጋ መሰረት ጌርካ ዋጋ ምቕራብ ኣይከኣልን። ተጫረትቲ ነቲ ኣብ ዝጫረትዋ ተስከርካሪ መልዓሊ ዋጋ 10% ብመዐዘዚ ክፍሊት ባንኪ /ሲፒኦ/ ክትሕዙ ይግባእ ይኹን እምበር እዚ መኽበሪ ጨረታ ትሕቲ ብር 5000.00 ክኸውን የብሉን። ብዘይ ክፍሊት ነፃ ቀረፅ ኣታዊ ትጫረት ተሽከርካሪት ቅድሚ ጨረታ ንዝነበረ ዋጋ እንተሃልዩ በኩባንያና ይሽፈን። ድሕሪ ጨረታ ንዝህሉ ዝኮነ ወፃኢ ግን ዓዳጋይ ሙሉእ ብሙሉእ ወሲኹ ይኽፍል። ሰዓሪ ውፅኢት ጨረታ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲታት ክፍሊት ፈፂሙ ንብረቱ አንትዘይተረኩቡ ውፅኢት ጨረታ ተዘሪዙ ኣብ አብ ላዕሊ ዘትሐዞ መጠን መኽበሪ ጨረታ ገንዘብ ናይ ኩባንያና ኣታዊ ይገብር። ኩባንያና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ከዓ ብኽፋል ክስርዞ መስል ሕልው እዩ። ንብ ኢንሹራንስ ኩባንያ (ኣ.ማ) ጨንፈር መቐለ ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪታት ቐፅሪ 0344400529 ወይም ብፋክስ ቍፅሪ 0344400522 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo