ቤትፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ኣብ ወረዳና ብቤት ፅሕፈት ሃ/ማ/ማ/ ኢነርጅን ኣብ ጣብያ ሓየሎምን ደብረፅዩንን ኣብርሃ ኣፅብሃን ንዝስርሑ ናይ ሓባር ዒላታት ብግልፂ ጭረታ አወዳዲሩ ብኤክስካቫተር ምኩዓትን ምስራሕን ይደሊ::

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

ምልክታ ጨረታ

ቤትፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓ/ም ኣብ ወረዳና ብቤት ፅሕፈት ሃ/ማ/ማ/ ኢነርጅን ኣብ ጣብያ ሓየሎምን ደብረፅዩንን ኣብርሃ ኣፅብሃን ንዝስርሑ ናይ ሓባር ዒላታት ብግልፂ ጭረታ አወዳዲሩ ብኤክስካቫተር ምኩዓትን ምስራሕን ይደሊ::

በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ሕጋዉያን ተጫረቲ

1 ሕጋዊ ናይ ማይ ስራሕቲ ኣቅርቦት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም::

2 ብናይ ማይ ስራሕቲ ፈቃድ ዘለኩምን ደረጃ 5ን ካብኡ ንላዕልን ዝኮንኩም::

3 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቀርባይንት ካርድ ዘለኩም ቨት/ ዝተመዝገብኩምን / ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሒ ዲክሬሽን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ /ሕዳር /መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤ ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 6/4/2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 20 /04/ 2007 ዓ/ም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል:;

4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 20 /4 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

5 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 300000 /ሳላሳ ሽሕ / CPO ከትሕዙ አለዎም::

6 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎነ::

7 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሸዞ መክበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ብስ/ቁ 0344430357 ምሕታት ይከአል:


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo