ኤጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ መፅሄት ትግርኛ ከሐትም ስለዝደለየ በዚ ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ እዚ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም::

ኢጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ኤጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ መፅሄት ትግርኛ ከሐትም ስለዝደለየ በዚ ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ እዚ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም::

 

ነዚ ዝስዕብ ረቆሓታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

 

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/, VAT ተመዝጋቢ ዝኾነ : VAT ድክሌር ዝገበረሉ መረዳእታ : ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ዝኾነ መረጋገፂ ዘቕርብ::

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቁሕት ካብ ኤጀንስን ክፍሊ ዕዳጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 06 /04 /07 ዓ/ም ጀሚሩ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ሲፒኦ /CPO/ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር / ከትሕዝ ዝኽእል ትክእል::
4 እቲ ጨረታ ዕለት 06 /04/07 ተጀሚሩ ዕለት24/04/07 ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕፀዉ::

5 ጨረታ ዕለት 24/04/07 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት::

6 ነቲ ሕትመት አብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ዘረክብ::

7 ቢሮና ዝሐሸ መማረሒ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

8 ኣድራሻና ከበቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደሰታ ዝርከብ ህንፃ አብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ::

9 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344400177 ደዊልክ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::

10 ናይ ጨረታ መዕፀዉን መኽፈትን በዓል እንትዊሉ አብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን ::


 


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo