ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ወ/ለኸ ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ግልጋሎት ዘዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፕሪፓራቶሪ መፅሓፍቲ :ንቤተ ፈተና ዘገልግሉ ኬሚካላትን ማተሪያላትን :መሳርሕታት ቴክኒካል ድሮዊንግ :ናዉቲ ስፖርት :መሳርሒ አቁሑት ኤለክትሮኒክስ :መሳርሒ ፅሕፈት: አቁሑት ቢሮ ማለትዉን ፈርኒቸር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርኢ ለኸ

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ረቋሕታት ወይ መምርሒ ተጫረቲ

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ 2009 ዓ/ም ፍቓድ ንግዶም በቢ ዘርፉ ዘቕርቡን ዘሐደሱን ክኾኑ አለዎም

2 ተጫረቲ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡን ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናብ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

ነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ሓደ ቅዳሕን አማሊኦም ክመፁ አለዎም

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪኦም ብጥረ ገነዘብ 5000 ብር ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተኣወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም

7 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 ዝተዳወ ሰነድ ጨረታ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ ዕለት 14/04/2009 ጀሚሮም ክሳብ 01/05/2009 ዓም ካብ ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ዘይመለስ 30 ብር ብምኽፋል ምዉሳድ ይኽእሉ

9 ጨረታ ዕለት 1/ 05/ 2009 ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ዕለት 1/05/2009 ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ዝኸፈት ይኸዉን

10 ጨረታ ምስተኸፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን15 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልታት ጥራሕ እዩ

11 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቕሓ መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይኽእል

12 ፅሬት ኣቕሑት ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተነፀረ ብሳምፕል ወይ ኦርጅናል ኣቐሓ ብባዓል ሞያን ብኮሚቴን ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይኸዉን

13 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ Â ብቁፅሪ ስልኪ 03 43 46 02 82 ወይ 03 43 46 00 88 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo