ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ኣርኣያ ካሕሱ ናይ 2009 ዕድጊት ንምፍፃም ሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ ዕጥቅታት ስፖርት አቁሑት ማይ አቁሑት ኤለክትሪክ፡ሎት 2 መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናዉትን ፡ሎት 3 ኤሌክትሮነከስ ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ኣርኣያ ካሕሱ

መምርሒ ተጫረቲ

1 ሕጋዊያን ነጋዶ ዝኾኑ ናይ ዘመን 2008 ግበሪ ዝኸፈሉን ናይ 2009 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድÂ ዘሐደሱን ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርቡ

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ TIN ዘለዎምን VAT ተመዝገብቲ ዝኮኑንÂ ወርሓዊ ዲክሌሬሽን ክሳብ ናይ ጥቅምቲ 2009 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበርሉ ማስረጃ ዘቅርብ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም

3 መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ Â CPO 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር /ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ንብረታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ዘቕርቡ እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ መሊኦም ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዶክመንት ዘቕርቡ

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11 /04/2009 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 26/ 04 /2009 Â ሰዓት 4:00 ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን መቀለ ኮሌጅና 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁ 33 ዘይመለስ 50 ብር እናኸፈልኩም ክወስዱ ይኽእሉ

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26 /04/2009 ዓ/ም ሰዓት 4:30/ተዓፅዩ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ ኣብቲ ዕለት ንሱ 26/04 /2009 ኮይኑ Â ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዉያን ወኪላቶም ኣብዝተረከብሉ ይኽፈት

7 ምስቲ ሰነድ ጨረታ ተኣሲሩ ንዝወሃብ መምርሒ ተጫረቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተግበራዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 አብቲ ጨረታ ሰነድ ክሳብ 20 %ምዉሳክን ምቅናስ ከም ዝህሉ ዝተረደአ

9 ጨረታና ሕጋዊ ነጋዶ ወይ ወኪላቶም ብዘይምቅራቦም ናይ ጨረታ ምክፋት ዘይተኣጓጎል ምካኑ

10 ኮሌጅና ዘሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347752538 ወይም 0914743683 ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo