ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ዝተፈላለዩ ንብረታት ግዚኡ ዝሓላፎ ሽምዒ: ዘመናዊ ቆፎ ስብርባር : ዝተፈላለዩ ሓፂን መፂንን : ዴስክ ወንበር ስብርባር :ዓይነርግቢ ናይ ንህቢ ቅዳድ ዘለዎ: ናይ መኪና ጎማ ዝአረጋ ካልኦት ንብረታት ብግልፂ ጨረታኣወዳዲረና ክንሸይጥ ንደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

1 ናይቲ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘይገድስ ክወዳደር ዝክእል ምኮኑ:

2 ሰነድ መግዝኢ ጨረታዘይምለስ 30 /ሳላስ ብር/ ከፊሎም ካብ ዕለት 10/ 4/2009 ዓ/ም ክሳብ 20/04/2009 ዓ/ም ካብ ወረዳ ሓዉዜን ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከ/ሰ/ዕ /ፍ/ንብረትምምሕዳር ብምዉሳድ ዋጋ መሊኢኩም ብፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ጨረታ ሰደቃ ከአቱ ዝክእል::

3 ጨረታ መክበሪ ብጥረ ገንዝብ 3000 /ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ/ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተመስከረሉ ስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእሉ::

4 ቤትፅሕፈትና ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰልና ዝተሐለወ እዩ::

5 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛበዐ ወይ ከጭበርብር ዝሞከረ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘተሐዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ዕዳጋ መምርሕን ድንጋገን ብሕጊ ታሓታቲ ይከዉን::

6 ሕጋዊ ዝተሐደሰ ናይ መንነት ካርዲ/መታወቅያ/ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ከታሓሕዝ ዝክእል::

7 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መማሐየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ዘይፍቀድ ምካኑ::

8 ተጫራታይ ዝሳዓረ ምኮኑ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10መዓልቲ እቲ ንብረት ሙሉእ ክፍሊት ከፊሉ ከልዕል ዝክእል እንተዘይኣሊዒሎም ድማ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መክበሪ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይከዉን::

9 አብቲ ጨረታ ከይዲ ቅሬታእነተሃሊዎም ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሮም አብዉሽጢ 3መዓለቲ ቅሬትኡ ናብ ት/ፋይናንስን ቤት ፅ/ት ከቅርብ ይከአል::

10Â እዚጨረታዕለት 20 /4/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑን ሽዑ 8:30 ኣብ ወረዳ ሓዉዜንÂ ት /ፋይናንስንÂ ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር በዓል ዋናÂ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብÂ ዘለወሉ ይክፈት ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 46 67 00 78Â ወይÂ 0914099601 ምሕታት ይካአል::

መተሓሳሳቢ

  1. ዓይና ርግቢ ሽምዒ ናይ ንህቢ አብ ሕርሻ እታወታት መክዚን ኣብ ሓዉዜን ከይድካ ምርአይ ይካአል::
  2. ዴስክ ወንበር ስብርባር ክወዳደር ዝደለየ ግን ቅድሚያ ብኣካል ከርኢ አላዎ ብኣካል ከየረኣየ ዝተወዳደረ ግን ሓላፍነት ናይ ባዐሉ ምካኑ ነፍልጥ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo