ቢሮ ርክብ ህዘቢ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2007 ዓም ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብሮሸራት: ባነራትን ቢልቦርድን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ::

ቢሮ ርክብ ዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ግልፂ  ጨረታ 
ቢሮ ርክብ ህዘቢ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት  ዓመት 2007 ዓም  ንቢሮ  ግልጋሎት  ዝዉዕሉ  ዝተፈላለዩ ጭርሖታት  ብሮሸራት:  ባነራትን  ቢልቦርድን ብግልፂ ጨረታ  ኣወዳዲሩ   ከስርሕ  ይደሊ::
በዚ  መሰረት አብዚ ጨረታ  ክትሳተፍ እትደለዩ ተወዳደረቲ   እተማልአዎ  ሮቕሓ::
1 ናይ 2007 ዓ/ም  ዝተሐደሰ  ንግዲ ፈቃድ   ቫት  ተመዝገበቲ  ዝኮኑ   መፍለይ ቑፅሪ / TIN/  ኣብ ዝርዝር   መቕረብቲ  ዝተመዝገቡ  ምኮኖም መረዳእታ  ከቅርቡ  ዝክእሉ::
2  መክበሪ  ጨረታ
 ብር  3000. 00 /ሰለስተ ሸሕ / ብባንኪ ዝተረጋገፀ  CPO  ከትሕዙ  ዝክእሉ::
3   ዋጋ ሰነድ ጨረታ
ዘይምለስ  ብር  30.00/ ሳላሳ ብር / ብምኽፋል  ጨረታ  ሰነደ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ  ክልል ትግራይ  ደጋፊ  ኸይዲ ስራሕ  ዕዳጋ ፋይናንስን  ምምሕዳር ንብረትን  ቢሮ ቑፅሪ  22  ካብ ዕለት  02/ 04 / 2007  ዓ/ም  አብ ዘሎ  መፂኹም  ምግዛእ   ትክአሉ ::   
4  ጨረታ  ዝዕፀወሉን  ዝኽፈተሉን   ዕለት::
    4.1    ዕለት   16 /04/ 2007 ዓ/ም ሰዓት   3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ  ዕለት  ሰዓት  4:00 ተጫረቲ  ወይም ሕጋዊ ወከልቶም  አብ ዝተረክበሉ ልዕል  ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ   ኣድራሻ  ብግልፂ  ይኽፈት::
5  ቢሮና  ዝዕድጎም  አቐሑት  ከምኣድላይነቱ   20 %  ናይ ምዉሳክ ወይም  ናይ  ምቅናስ መሰሉ  ዝተሐለወ  እዩ::
6  ኣብዚ ጨረታ  ሰዓራይ  ዝኮነ  ካብ  ዘሸነፎ  ጠቅላላ   ዋጋ  10 %  አትሒዙ ዉዕሊ  ብምእሳር   አብ ዉሽጢ   7 መዓልቲ   ስሪሑ  ከረክብ ዝክእል::
7  ሰዓራይ  ንዘሽነፎም  አቐሑት  በቲ  ዝወፀ   ስፐስፊክሽን    መሰረት  ኦርጅናል አቁሑት  ምኮኖም  ምስተረጋገፁ   ብናይ ባዕሉ  ትራንስፖርት  ናብ ቢሮና  አታዊ   ይገብር::
8   እዚ ጨረታ  ፀኒዑ  ግዜ  ጨረታ  ካብ ዝተኸፈተሉ   ዕለት  ጀሚሩ  ን 45   መዓልቲ   ዝፀንዐ  ይኸዉን::
9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ  እንተረኺቡ  ብክፋል   ይኹን  ብሙሉእ  እቲ  ጨረታ  ናይ  ምንራዝ  መሰሉ  ዝተሐለወ እዩ::
10  ንዝበለፀ  ሓበሬታ  ቢሮና  ዝርከበሉ ፊት ለፊት  ኣግአዚ  ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ  ሆቴል ::
  ስቑ   0344  40  93 43  ደዊልካ  ምሕታት ይከአል  እዩ::
ቢሮ  ርክብ  ህዝቢ  ክልል ትግራይ

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo