ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2009 በጀት ዓመት ሎት1 ናይ መኪና ጎማን ባትርን : ሎት2 መለዋወጢ አቁሑ መኪና: ሎት3 አቁሑት ኤለክትሮኒክስ: ሎት4 ሞተር ሳይክል: ሎት5 ናይ መኪና መጋየፂ: ሎት6 ሳይክል: ሎት7 ሕትመት: ሎት8 ጀነሬተር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕደጋ ክፍፅም ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

ስለዚ ነዚ ዝወፀ ጨረታ ንክትሳተፉ እትደልዩ ነጋዶ ኣብ ዘርፊ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ፣ መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ፣ ወርሓዊ ቫት Â ናይ ጥቅምቲ ሪፖርት ማለት ዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣መቅረባይነት ሰርትፍኬት ማለት ዉን ምስክር ወረቀት 2009 ዓም ዘማላእኩም ሕጋዉያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ናከፈልኩም እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ማለት እዉን ዕለት 6 ታሕሳስ 2009 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 21 ታሕሳስ 2009 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲ ግራት ክፍሊ ቁፅሪ 6 ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ንዕድም

መከበሪ ጨረታ ካብ ሎት1 ክሳብ ሎት 4 5000 ቅርሺ ካብ ሎት 5 ክሳብ ሎት 8 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

እቲ ጨረታ 21 ታሕሳስ 2009 ዓም ሰዓት 8 ፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓዲ ግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉ ይክፈት

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344450607 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo