ትካልና ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ አብ ናይ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ንትካልና ከገልግሉ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ትምህርቲ ጋርመንት ከም ናዉቲ ጨርቂ : ፅሕፈት መሳርሒ ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ

1 ካብ ብር 100,000.00 (ሚኢቲ ሽሕ) ንላዕሊ ዋጋ ዘለዎም ዕዳጋ ዝሳተፉ ነጋዶ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ዓም/ ዲክሌሬሽን ቫት : መፍለይ ቁፅሪ (TIN) ከፋላይ ግብሪ : ናይቲ ክንዕድጎ እንደልዩ ኣቕሓ ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቓድ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ካብ ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 28/03/2009 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 12/04/2009 ዓ/ም አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ብብር 30 (ሰላሳ ቅርሺ) ብምግዛእ ክትወስዱ ከምትክእሉ የፍልጥ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 12/04/2009 ዓ/ም ሕጋዊ ጨረታ ኮሚቴ አብ ዘለዉሉ ብናይ ኢትዩጰያ ኣቆፃፅራ ሰዓት ልክዕ ሰዓት 5:00 ብምዕሻግ ድሕሪ 15 ደቂቃ ማለት 5:15 ስለዝኽፈት በቲ ዝተቐመጠ ናይ መእተዊ ግዜ ብምምፃእ ናብቲ ኣብ ከይዲ ስራሕና ዝተደለወልኩም ሳንዱቅ ጨረታ ሰነድ ጨረታኩም ንክተእትዉ የፍልጥ አብ እዋን ምኽፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ከምዝክእሉን እዚ ከምዚ እናሃለወ ድሕሪ ምዕፃዉ ሳንዱቅ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ግን ተቐባልነት የብሉን

3 ጨረታ መኽበሪ ጨረታ 4000.00 /አርባዕተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ /CPO/ ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 ተጫራታይ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን /መስፈርት/ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጓዓዝያን መራገፍን ናብ ትካልና ከቅርብ ዝክእል

5 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ኣድረሻና:- ትግራይ መቐለ ቀበሌ 18 ድሕሪ ሆቴል አብርሃ ካስትል ወይ ድሕሪ ፍፁም ብርሃን ዓይኒ ሕክምና

ንዝተደለየ ሓበሬታ ስልኪ ደ/ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን 0342403912 /0932101421 /0914281708 ብምድዋል ክረኽቡና ይኽእሉ እዩም

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo