ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም አብ 2009 በጀት ዓመት ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ አቁሑት መለዋወጢ መኪና :አቁሑት ኤለክትሮኒክስ: ዘርኢ አግራብ: መሳርሕታት ፅሕፈትን ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን የደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

ብመሰረት እዚ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ናይ ከፋላይነት ግብሪ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም
  2. ዝተሓደሰ ናይ 2009 ዓም ፍቃድ ንግዲ ብዘርፉ ከቅርብ ዝክእል
  3. ንአቁሑት መለዋወጢ መኪናን ንአቁሑት ኤለክትሮኒክስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፈለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. ንሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ምዉሳድ ይከኣል
  5. መክበሪ ጨረታ ንመለዋወጢ አቁሑ መኪና 5000 ቅርሺ ንአቁሑት ኤለክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ ንዘርኢ አግራብ 3000 ቅርሺ ንመሳርሕታት ፅሕፈት 3000 ቅርሺብጥረገንዘብ ወይእዉን ብሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ተጫረቲ ከትሕዙ ኣለኩም
  6. ጨረታ 7 ታሕሳስ 2009 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  7. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo