ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ማይ ሃፍቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ጋብዩን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

1 አብቲ ዝተጠቀሰ ዘፈር ንግዲ ሕጋዊ ናይ ኣቕርቦት ንግዲፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይንት ካርድ ዘለኩም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር ዲክሬሽ ክተቕርቡ እትክእሉ

3 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤትÂ ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 19/03/2009 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 4/04/2009 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 4/04/2009 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 5:00 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

5 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ብ CPO ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም::

6 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎን::

7 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 5ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ብስ/ቁ 0344430357 ምሕታትይከአል:

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo