ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉሎ መከዳ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ንኩለን ቤት ፅሕፈታት ዝተፈላለያ ዓይነት ተሽከርከርቲ መካይን ሕድሳት ሞተር ብስክሌትን ካልኦት ፅገና አካላትን ንምግባ ከምኡዉን መለዋወጢ አቁሑ መኪናን ግልጋሎት ፀገናን ሞተር ብስክሌትን ብግልፂ ጨረታ ግልጋሎት ክረክብን ክዕድግን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ ጉሎ መከዳ

ተጨረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቃሕታት

  1. Â ናይ 2008/ 2009 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዓዉዲ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ፣ Â ቲን ነምበርን ፣መቅረባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ናይ ወርሒ መስከረም 2009 ዓምÂ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ቅዳሕ ከቀርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም
  2. ናይ ፅገና አገልግሎት ንመቅረብቲ ዝምልከት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን መረዳእታኩም ብምቅራብ ክትወዳደሩÂ ትክእሉ
  3. ብመሰረት እዚ ዝተዳወ Â ስፐስፊኬሽን ካብ ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 50 ቅርሺÂ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
  4. Â ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑ 6000 ቅርሺ ንፅገና 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዙ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
  5. ጨረታ Â ዝዕፀወሉ ዕለት 5 ታሕሳስ 2009 ዓም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ በቲ ዕለት Â ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስንÂ ምምሕዳር ንብረት ይክፈት እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተዳኣ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት
  6. ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን 60 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ
  7. ናይ ዋጋ መግለፂ እንትመልኡ ኣብ ዝረከብኩምዎ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክትመልኡ ኣለኩም
  8. በዚ መሰረት ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ንዝኮንኩም ተወዳደርቲ እተመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ዝሓወሰ ምካኑ ክትፈልጡ ኣለኩም
  9. መፅዓንን መረጋፍን ድማ ካብ መቅረባይ ምካኑ ክፍለጥ አለዎ
  10. መለዋወጢ አቁሑ መኪና ፅሬት ዝረጋገፀሉን ርክክብ ዝፍፀመሉ ቦታን ኣብ ከተማ መቀለ ዝርከብ ዉዕሊ ዝአሰርናሉ አዳራሽ ይከዉን ከምኡዉን ክፍሊት ዝፍፀመሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ጉሎ መከዳ ይከዉን
  11. Â ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ.ቁ ስልኪ 0344340128 ወይድማ 0914124252 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo