ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ንኮሌጅና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ናይ ኮንስትራክሽን ኣቁሑት :ናይ ኣዉቶሞቲቭ ናይ ፅሬት ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን

1 ናይ 2008/2009 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ክተቅርቡ ትክእሉ

2 ናይ 2009 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ ትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ሰርተፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ ቫት ሰርተፊኬት ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ ወርሒ ሓምለ ነሐሰ 2008 ዓም ዴክሌር ዝገበርኩምሉ መረዳእታን ከትቅርቡ ትክእሉ

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይነኩም ዝሰዓርኩuዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኩም ምጎዓዝያ ናብ ኮሌጅና ክተቅርቡ ትክእሉ

7 መወዳደሪ ደክመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30 ሰላሳ ብር እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያንÂ ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ከይዱ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ህንፃ ቁፅሪ 03 ካብ 6/3/3009 ክሳብ 20/03/2009 ዓም ሰዓት 8:00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ሎት 1 ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 :ሎት 2 ናይ ስፔር መኪና ጎማ ብር 4000 : ሎት 3 ኤለክትሮኒክስ ኣቁሑት 3000 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ካልኦት ከተትሕዙ ትክእሉ

10 ኣብቲ ጨረታ ተወዳደሮም ናይ ዘሸነፍዎ Â ልዕሊ 5000 እንተኮይኑ ቫት 15% ኣብ ቤት ፅሕፈት ተቆሪፁ አታዊ ይከዉን

11 እትህብÂ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

12 እቲ ጨረታ ዕለት 20/03/2009 ዓም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ሓዉዜን ኣብ ደጋ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

13 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ጨረታ አይተአጎጎልን ወይ ከይተከፈተ ዝምለስ የለን

14 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐወ እዩ

15 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብኣካል አብ ኮሌጅና ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0914122418 ወይ 0942016205 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ኢኩም

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo