ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ናይ ፈርኒቸር ኣቁሑትን : ናይ ፅሕፈት መሳርሐን ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ሮቆሓ ክተማልኡን ክትወዳደሩን ይዕድም::

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

                            ምልክታ ግልፂ ጨረታ 

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ናይ ፈርኒቸር ኣቁሑትን ናይ ፅሕፈት መሳርሐን ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ አብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ሮቆሓ ክተማልኡን ክትወዳደሩን ይዕድም::

1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ክተቕርቡ ትኽእሉ

2 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቀረባይነትን ሰርቴፊኬት ክተቀርቡ ትክእሉ::

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፌኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 ናይ ቫት ሰርቴፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 ናይ ወርሒ መስከረም 2007 ዓ/ም ዴክሌር ዘገበርኩሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጎጎዓዝያ ናብ ቢሮና ክተቕርቡ ትኽእሉ::

7 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ ::

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር /እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስለጠናን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንበረት ምምር አብ ኮምፕሌከስ ህንፃ 3ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 333 ካብ 23/ 03 /2007 ዓ/ም ክሳብ 10/ 04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:00 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::

9 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንፈርኒቸር ብር 3,000 /ሰለስተ ሽሕ ብር / : ንኤሌክትሮኒክስ ብር 3,000 /ሰለስተ ሽሕ ብር / : ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 4,000 /ኣርባዓተ ሽሕ ብር/ ንኹሎም ብ CPO ክተትሕዙ ትኽእሉ::

10 ኣብ ጨረታ ተወዳዲሮም ናይ ዘሸነፍዎ ልዕሊ 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር / እንተከይኑ ቫት 15 % አብ ቢሮ ተቐሪፁ ኣታዊ ይኸዉን::

11 እተቅርብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸዉን::

12 እቲ ጨረታ ዕለት 10/ 04 /2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምምሕደር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብተወሳኺ ድማ ዘድሊ ደኩሜንት እንተማሊኦም ይኸፈት::

13 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኸቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 251 344 40 34 47 ክትረኸቡና ትኽአሉ ምኮንኩም ንሕብር::

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo