ንካልኣይ ግዘ ዝወፀ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም አብ 2009 በጀት ዓመተ ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ ዝተፋላለዩ ዓይነት ንብረት ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን የደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

መሳርሒ ፅሕፈትን: ቀዋሚ ንብረት አቁሑት ቢሮ :መለዋወጢ አቁሑት መካይን:ዝተፋላለዩ ሕትመት : መሳርሒ ህንፃ:ናይ መኪና ጉልበት ዋጋ ምስራሕ

ብመሰረት እዚ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ናይ ከፋላይነት ግብሪ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም
  2. ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ብዘርፉ ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ ቀዋሚ ንብረት ቢሮ Â መሳርሒ ህንፃ Â ናይ መኪና ናይ ጉልበት ስራሕ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ዘፈለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. ንሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ምዉሳድ ይከኣል
  5. መክበሪ ጨረታ ናይ ቀዋሚ ንብረት መሳርሒ ህንፃ ናይ መኪና ናይ ጉልበት ዋጋ 5000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይእዉን ብሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ተጫረቲ ከትሕዙ ኣለኩም መሳርሒ ፅሕፈት መለዋወጢ አቁሑ መኪና ዝተፈላለዩ ሕትመትን 3000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
  6. ሳነዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹምÂ እንትከዉን ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2009 ዓም ጀሚሩ ንተጨረቲ ክፍቲ ይከዉን
  7. ጨረታ 1 ሕዳር 2009 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  8. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo