ትካልና ጎዳ ጥርሙዝን ብርጭቆን ኣክስዩን ማሕበር ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቅ ኣብ ዝርከብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንዘጣይሾ ናይ ጠርሙዝ ብርጭቆን መምርቲ ፋብሪካ ናይ ሰራሕተኛ መንበርን መተካእታ ቤት ትምህርቲን አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ጎዳ ጥርሙዝን ብርጭቆን ኣክስዩን ማሕበር

1 ኣብዚ ጨረታ ምስታፍ ዝክእል ትካል ናይ 2009 ዓም ዝተሐደሰ ንግደ ፈቃድ ቫት ተመዝጋቢ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ኮይኑ ናይ ወርሒ መሰከረም 2009 ዓም ናይ ቫት ዲክለርሽን Â ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ደረጃ ሰለስተን ካብኡ ንላዕሊን ዝኮነ ህንፃ ተቆራጭ ትካል ይከዉን

2 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዓርቢ 11/2/2009 ዓም ንዘለዉ ተከታተልቲ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ከተማ መቐለ ጋራድ ህንፃ ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 106 ዝርከብ ናይ ትካልና ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ዘይምለስ ብረ 150 ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

3 ተጫረቲ ናይ ቴክኒካልን ፋይናሻልን ሰነድ ዝተመልአ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ሽምዒ ብምዕሻግ ብተወሳኪ ክልቲኦም ሰነዳት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ተራ ቁፅሪ 2ተ ዝተጠቀሰ ናይ ትካልና አደራሽ ክሳብ ሓሙስ 17/2/2009 ዓም ሰዓት 11:00 አታዊ ምግባር ይክእሉ

4 ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ 50,000.00 ብር ብስፒኦ መልክዕ ጥራሕ ብሽም ጎዳ ጠርሙስና ብርጭቆ ኣማ ብምድላዉ ከቅርቡ ይግባእ

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ዓርቢ 18/2/2009 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ዝተጠቀሰ ኣዳራሽ ይክፈት

6 ነቲ ጨረታ ብቁዓት ኮይኖም ዘይተረከቡ ተጫረቲ ዘትሓዝዎ ሲፒኦ ተመላሲ ይግበረሎም

7 ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብጠቅላላ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0911862890 0914767325

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo