ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብናይ መደበኛ በጀት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ አቑሑ ክዕድግ ይደሊ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ምድብ 1 ናይ ኤለክትሪክ ጀነሬተር

ምድብ 2 መሳርሒ ፅሕፈት

ምድብ 3 አቁሑት ኤለክትሮኒክስ

ምድብ 4 መለዋወጢ አቁሑ መኪና

ምድብ 5 ናይ መኪና ፅገና ናይ ጉልበት ዋጋ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንምድብ 1 ብር 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ንካልኦት ምድባት ነንሕድሕዶመ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 ንምድብ 1 ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካል ዋና ብክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ ብተወሳኪ ፋይናንሽ ቴክኒካል ቅዳሕ ብክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ይቀርብ Â ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ Â ንካልኦት ምድባት ዋናን ቅዳሕን ሰነድ ብክልተፖስታ ክቀረብ አለዎ

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 30Â ሰላሰ ብር/ ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ ከም ኡዉ ንተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም::

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪቑፅሪÂ 03 44 40 28 01 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 10/02 /2009 ዓ/ም እስካብ 25 /02/ 2009 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 25/02 /2009 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን 25/ 02 /2009ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:

ኣድራሻና ዒላላ ዝረከብ ፈልሲ ጣብያ

ስልኪቑፅሪÂ 03 44 40 28 01

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo