ሆስፒታል ኮረም ንሆስፒታል ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕክምና መድሓኒትን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ካብ ዘለዎም ነጋዶ ብዉሱን ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ዝስዕብ መምሪሒ መሰረት ኣማሊኩም ንክተቀርቡ ንዕድም::

ሆስፒታል ኮረም

ምልክታ ዉስን ጨረታ

ሆስፒታል ኮረም ንሆስፒታል ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕክምና መድሓኒትን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ካብ ዘለዎም ነጋዶ ብዉሱን ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ዝስዕብ መምሪሒ መሰረት ኣማሊኩም ንክተቀርቡ ንዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቁሓ

  1. በቲ ትጫረትሉ ዓይነት ዘፈር ስራሕ ናይ ዘመኑ ግብሪ ከፊሎም ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2007 ዓ/ም ዝሐደሱ

  2. በቲ ትጫረትሉ ዓይነት ዘፈር ስራሕ ዝመዘገበሉ ቲነ ናምበር ከቅርብ ዝክእሉ

  3. ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ሰርትፊኬት ዘለዎን ከቅርብ ዝኽእል

  4. እቲ ሰነድ ጨረታ ብሐደ ኦርጅናልን በዘተአሸገ ሰምዒ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእልን::

  5. እቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 17/ 03 /2007 ዓ/ም ክሳብ 28/ 03/ 2007 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4:00 አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብናሃትና ሰራሕተኛታት ዝወሃበኩም ኮይኑ ዘይምለስ ብረ 30.00 ብምክፋል ምዉሳድ ይካአል::

  6. መክበሪ ተጫረቲ ብር 3000.00 ብሲፒኦ ብምተሓዝ ዕዳጋ ፈፀምቲ አካላትን መቅረብትን አብ ታሕቲ ብዝተገለፁ ስልኪ ቁፅርታት ብምድዋል አታዊ ይግበር

  7. ሰነድ ጨረታ ዝኽፈተሉ ሳንዱቅ ጨረታ ንክዕፀዉ ኩሎም ዝተኣደሙ መቅረብቲ ጠቅሊሎም ምስ ኣቅረቡን ዝዕፀወሉ ዕለትን ሰዓትን ካብ ዝተስማማዕሉ ድሕሪ 30 ደቂቃ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቶም ተረከቡ ኣይተረኸቡን ኣብ ከተማ መቐለ ቤት ምክሪ ንግዲ ማሕበራት ይኽፈት::

  8. ኣሸናፊ ዝኾነ አሸናፊ 03 ናይ ስራሕ መዓልቲ ከረክበና ዝክእልን::

  9. ኣብ ቀረባ ዝግዛእ በዝሒ 20 % ክዉስክን ክቅንስን ይኽእልን::

  10. ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ተወሳኪ ሓበሬታ 0914 17 18 94 / 0914 75 12 09 /09 31 56 93 45


 


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo