ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ደቀቅቲ ኣናእሽተይን መሳርሒ ሎት 1 ናይ ፅሬት ኣቀሑት ሎት 2 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሐት እስፔር ሎት 3 ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዝተሐደሰ ናይዚ ዘመን ዓም ክተቅርብ አለኩም

2 ናይ ግበሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምዎ TIN ሰርቴፊኬት ክተቅርቡ አለኩም

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ስርቴፊኬት ናይ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓም ዴክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርበጁ አለኩም

4 ናይ መቅረባይነት ሰርቴፌኬት ሓዱሽ ካብ ጥሪ 1/2005 ዓም ዝተመዝገብኩምን ዝተሐደሰ ክከዉን አለዎ

5 ጨረታ ሰዓርቲ ሰዓራይ ምኻንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ 15 ተከታታሊ መዓልቲ ኣብ ዘይበልፅ ንብረት ብመጠን ብፅሬትን ኣታዊ ክትገብሩን ናይ ዘሸነፍኩምዎ ንብረት መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕልኩም ወፃኢ ከም ዝኮነ ክትፈልጥዎ ይግባእ

6 መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ እቲ ኮፒ እተቅርብዎ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ኣብ ሕድሕድ ገፅን ኢንቨሎፕ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ

7 ተጫረቲ ዘይምለስ ንፅሕፈት መሳርሒ 100 ንፅሬት ኣቁሐት ናይ መኪና እስፔር 50 እናከፈልኩም ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋንብ ምምር ካብ 24/1/2009 ዓም ክሳብ 7/2/2009 ዓም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ብዝተዓሸገ እንቨሎፕ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 5000 ብር ናይ ፅሬት ኣቁሑት ናይ መኪና እስፔር ድማ 3000 ብር ብCPO ክትሕዙ እትክእሉ

9 ተጫረቲ ቫትን ዊዝ ሆልዲንግን ኣብ ቢሮ ተቆሪፁ አታዊ ዝግበር ምካኑ ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ዝሰዓርክምዎ ንብረት ድምር ልዕሊ ብር 5000 እንተኮይኑ ኤጀንስና ቫት ዝቆርፅ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ

10 እቲ ጨረታ ዕለት 7/2/2008 ዓም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 430 ንጉሆ ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

11 ኤጀንና ዝሐሸ መማረፂ ተረኪቡና እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ 20 ምዉሰክን ምቅናስን ዝክእል ምካኑ ነፍልጥ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ቀበሌ 17 ጥቃ ገብሬእል ቤተ ክርስትያን ዕደጋ ብዕራይ ስልኪ ቁፅሪ 0342415092Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo