ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ንብረት ብግልፂ ጨረታ አወዳድር ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

ናይ መኪና ጋራጅ መፀገኒ ማለትዉን ጉለበት ዋጋ

ናይ መኪና ጎማታት

ኤለክትሮኒክስ

በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቁሓታት ተጫረቲ

  1. በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰÂ ዘለኩም::
  2. ናይ 2008 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::
  3. ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::
  4. ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::
  5. ናይ ወርሒ ሓምለ ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::
  6. ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::
  7. ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000 (ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል::
  8. ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 50 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 05 ምዉሳድ ይከአል
  9. ካብ 20/ 01/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩ አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 05 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::
  10. ናይ ጋራጅ ፅገና ጨረታ 04 /02 /2009Â ዓም ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት
  11. ናይ መኪና ጎማታት ጨረታ ዝዕፀወሉ 7 /02 /2009 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት
  12. ናይ ኤለክትሮኒክስ 9/ 02/ 2009 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ይክፈት
  13. እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::
  14. እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::
  15. ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5(ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል ዝአስር
  16. ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ ምኻኑ ::
  17. ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን አብ ወረዳ ሐዉዜን ትልምን ፋይናንስን አጉዒዙ ዘቅርብ::
  18. ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን ፅሕፈት መሳርሒ 20 % ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና
  19. ብሰመሰረት ዝእተዉዎ ዉዕሊ ብዝድለ ፅሬት አብ ዝተደለየ ግዜ ንብረት እንተዘይ አቅሪቦም ብዉልቐን እቲ ድርጅትን ተሓተትቲ ከምዝከዉን
  20. ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ዝግዛእን ንብረት አበቲ ዉዕሊ አሲሩ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዘረከበሉ ንብረት እንተዘይ አረኪቡ ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀዒዑ እቲ ንብረት ተመሊሱ የረክብ ከሙኡ እዉን 10 ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ይቅፃዕ
  21. ዝምላእ ዋጋ ናይቲ ንብረት ኦርጅናል ኮይኑ ብኦርጅናል ገንዘብ ክከዉን አለዎ
  22. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914183403 ወይም 0346670078

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo