ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝተፈላለዩ ናይ ፈርኒቸር: ሓፂነ መፂንን :ናይ ተሽከርከሪ መኪና ሞተር ሳይክል ጎማታት: ሳይክል ምዕዳግን :ናይ ሕትመት ስራሕትን :ናይ ስፖርት ዕጥቅን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

እዞም ቀፂሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉና መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  2. ሕጋዊ መቅረባይነት ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝበሉ ወረቀት ምስክር ናይ ወርሒ ነሓሰ ሒሳብ ዝከበርኩምሉ መረዳእታ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል አብ ናይ ሳይክል ዕድጊት ግን ቫት ዝተመዝገበን ዘይተመዝገበን ክወዳደር ይክእል
  4. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቅዳሕ ገይሩ ከትሕዝ ዝክእል
  5. ሰነድ ጨረታ ካብ 20 መስከረም 2009 ዓም ክሳብ 4 ጥቅምቲ 2009 ዓም 60 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ክዉስዱ ዝክእሉ
  6. ጨረታ 4 ጥቅምቲ 2009 ዓም ሰዓት 8 ፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  7. ካብ ቤት ፅሕፈት ዝተዉሃበ ሰነድ ቢድቦንድ ነኪካ ምቅራብ አይካአልን
  8. መክበሪ ጨረታ ናይ ፈርኒቸር 7000 ቅርሺ ናይ ሓፂነ መፂን 4000 ቅርሺ ናይ መኪናን ሞተር ሳይክል 3000 ቅርሺ ናይ ሳይክል 3000 ቅርሺ ናይ ስፖርት ዕጥቂ 3000 ቅርሺ ናይ ሕትመት ስራሕቲ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ከትሕዝ ዝክእል
  9. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344444916 ወይድማ 0344442866 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo