ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲጉዶም ኣብ 2009 ዓም ናይ ኮሌጅና በጀት ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት: ኮምፒተርን :ኤለክትሮኒክስ :አቁሑት መሳርሒ ህንፃ ወይዉን ኢንዳስትሪ ማተሪያል ፡ ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲጉዶም

ክትጫረቱ እትደልዩ ነጋዶ ተማልእዎ ዝግባእ ረቀሒታት

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይ 2009 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም

2 ናይ 2009 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩም

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጡ

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም

5 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፍኬት ናይ 2009 ዓም ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ኩሉ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ሽም ፊርማን ማሕተምን ብምጋባር ከቅርብ ዝክእል

7 መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ዘርፊ 5100 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብÂ ከተሕዝ ዝክእል

9 ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለተ ጀሚሩ ኣብ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

10 ሰዓራይ ኣካል ኣብቲ ዝሰዓሮ 20 ሚኢታዊ እቲ ኮሌጅ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ዝክል ይከዉን

11 ኣብ ዝወፀ ጨረታ ሰነድ ወይ መምርሒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዘግብር ምካኑ

12 ሰነድ ጨረታ ካብ 16 መስከረም 2009 ዓም ጀሚሩ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲ ጉዶም 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

ብተወሳኪ መምርሒ ኣዋጅ 255 /2007 ተፈፃሚ ይከዉን

ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲ ጉዶም ከጉዕዝ ዝክእል

እትመልእዎ ዋጋ ሰዓራይ ክሳብ ዝግለፅ 45 ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፀንሕ ከምዝክእል ብፊርማኩም ክተረጋጉፁ ትክእሉ

ሳንዱቅ ጨረታ 30 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 3፡ 00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡ 30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370592 /0934824000 0914766863 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo