ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገበረ ስላሴ ኣስገዶም ዕዳጋ ሓሙስ አብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት፡ አቁሑ መሳርሒ ህንፃን ኤለክትሮኒክስ ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም

ስለዚ ብቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓ አማልእኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም:

  1. ናይ 2008 ዓም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ
  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ(Tin No) ዝሓዝኩምን
  3. ቫት ማለት ዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዝረገርሉ መረዳእታ
  4. ኣብ መንግሰቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረበይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ዝሐዝኩም::
  5. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅለኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት ብበዓል ሞያ ኣፈቲሹ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል::
  6. ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ አብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ አስገደም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዲቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::
  7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሳላሳ ብር / ንሕድሕድ ሎታ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ እንኸፈልኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣስገዶም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 13 /01/ 2009 ዓ/ም ክሳብ 30/01/ 2009 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::
  8. እቲ ጨረታ ዕለት 01/02/ 2009 ዓ/ም ልክዕ 8:30 ተዓፅዩ Â በቲ ዕለት ሰዓት 8:40 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ /ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይኽፈት::
  9. ተጫረቲ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት አቁሑት ንኤለክትሮኒክስ ንአቁሑት መሳርሒ ህንፃ 6000 ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ::
  10. ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ዝኽእል ምኮኑ::
  11. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347730211 ደዊልኩም ሕተቱ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo