ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ ፈርኒቸር ጎማ ካላማደሪያን ባትርን ሞተር ሳይክልን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ላዕላይ ማይጨዉ
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለ ን 2008ን 2009 በጀት ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ
  2. ናይ ነጋዳይ መለለዩ ቁፅሪ ቲን ነምበር ዘለዎ
  3. ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ
  4. ቫት ዝተመዝገበን ናይ ነሓሰ 2008 ዓ ም ሒሳቡ ዘፍለጥሉ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ልዕል ክብሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቋሕታት መረዳእታ ዋንኡን ሓደ ፎቶ ኮፒኡንÂ ከቅርብ ዝክእል
  6. ንጨረታ መክበሪ ንዘይሰዓረ ሹዑ ንሹዑ ዝምለስ ንዝተፈላለዩ ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ ፣ንናይ መካይን ጎማ ካላማዳርያን ባትርን 5000 ቅርሺ ንሞተር ሳይክል ግዝኢት 5000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ተረጋጊፁ ዝቀረበ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  8. ተጫረቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝተወዳደረሉ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 17 ማእከላይ ዞባ ምምሕዳር ህንፃ ኣብ ምድረሪ ቤተ ይከዉን
  10. ንንሕድሕድ ምድብ 50 ቅርሺ ኮይኑ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂእኩም ምዉሳድ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ
  11. ተጫረቲ ንሓደ ተቅርብዎ ዋጋ መሊእኩም ብሽምኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 9 መስከረም 2009 ዓ ም Â ክሳብ ዕለት 30 መስከረም 2009 ዓ ም ሰዓት 2 ፡30 ናይ ንጉሆ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሰዓትኣብ ከይዲ ስራሕÂ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
  12. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ 30 መስከረም 2009 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ናይ ንጉሆ ይከዉን
  13. ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ 30 መስከረም 2009 ዓ ም ሰዓት 4፡ 00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይከዉን ።ኩሉ መዐቀኒ አማሊኡ ብዘይለዉሉ ንክክፈተሎም ዘመልከቱÂ ምትእንጋድ ከምዝከኣል ንገልፅ
  14. ቤት ፅሕፈትና መማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
  15. 20 ሚኢታዊ ምቅናስ ወይዉን ምዉሳክ ከምዝከኣል ክፈልጥ ይግባእ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347753263 ብምድዋል ምሕታት ይካአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo