ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን 2009 ዓም ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: አቁሑት ኤለክትሮኒክስ: ኮምፒተራት ናይ ኮምፒተር አክሰሰሩን: ሳይክልን: ዓረብያ መመላለሲ ጎሓፍ :ሕትመት :ናይ መኪና ሰርቪስ ፅገና :ቀወምቲ ንብረት: ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት: ናይ ስፖርት ዕጥቅን: ዝተፈላለዩ መፅሓፍትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽራሮ

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ

  1. ሕጋዊ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
  2. ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም
  3. ናይ 2008 ዓም ግብሪ ዘመን ዝከፈልኩም
  4. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድÂ ዘሐደስኩም
  5. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ሓምለ መረዳእታ
  6. ቲን ነምበር ዝተመዝገብኩም
  7. ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ እትክእሉ
  8. ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ
  9. ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ10 % ክተትሕዙ እትክእሉን
  10. ናይ መኪናን ሞተር ሳይክልን ሰርቪስ ወይድማ ፅገና ንሓደ ዓመት ዉዕል ክትኣስሩ እትክእሉ
  11. ኣብዚ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይድማ ዕለት ገደብ እንተሓሊፎም ወይድማ እንተሓሊፈን ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ 0.1% Â ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ንብረት ዝቅፀዑ ምካኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብቲ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10%Â እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰሉ ከምዘለዎን
  12. ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቼክ ወይ ብሲፒኦ 16,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
  13. ኩሉ መረዳእታኩምÂ ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ዋና መረዳእታኩም እተቅርቡን
  14. ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
  15. ሰነድ ጨረታ 6 መስከረም 2009 ዓም ክሳብ መስከረም 20 20099 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ይዕድም
  16. ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 20 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 20 መስከረም 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ይከዉን
  17. ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
  18. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500149Â Â ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo