ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ግዕዝይናን ክልል ትግራይ ቪድዩ ካሜራ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ::

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ክልል ትግራይ

ስለዚ እቲ ዝተጠቐሰ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝኸፈልሉ መረዳእታ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ::

2 ኣብ ቢሮ ፋይ/ ኢኮ /ልምዓት ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

3 ቫት(VAT) ዝተመዝገብሉ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

4 ቲን ቁፅሪ ዘለዎን ኣብ ኣብ ሐደ ገፅ ኮፒ ጌሮም ከቕርብ ዝኽእሉ

5 ናይ ወርሒ ነሓሰ /2008 ዓም ዲክለረሽን ከቅርብÂ ዝክእል::

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንኩሎም ዓይነት ንብረት ቢድ ቦንድ ወይ ብጥረ ገንዘብ 5000 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝኽእል::

7 ዝተዳለወ ጨረታ ደኩመንት ካብ ኮሚሽን ቢሮ ቑፅሪ 268 ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረት ዘይምለስ ብር 30 ከፊሎም ካብ ዕለት 05/01/2009 ክሳብ 19/01/2009 ዓ/ም ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ግን ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዕለት 19/01/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ቐትሪ ዝዕፆ ይኸዉን::

8 ንኹሉ ከይዲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 19/01/2009 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ቐትሪ ይኽዉን::

9 ኹሉ ጨረታ ተወዳዳራይ ኣብቲ ዝተነፀረ ግዜ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት

10 ጨረታ ብሸምዒ ዝተአሸገ ናይ ሕድሕድ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር የቅምጥ::

11 ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስርሕ መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::

12 ሰዓረይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ኮሚሽንና ኸቕርብ ዝኽእል::

13 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዝኾኑ ንቐፃሊ ኣብ ዕዳጋ መንግስቲ ንከይሳተፍ ከምዝግበርን ዘትሓዝዎ መክበሪ ጨረታ ከምዝዉረስን::

14 እቲ ኮሚሽን ዝሐሻ መማረፂ ተረኺቡ ብክፋል ይኹን በሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዘ መሰሉ ሕልዉ ምኻኑ

15 ድሕሪ ምዕፃዉ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቐባልነት ከምዘይንሉ::

16 አብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ንዘይኾኑ ሐሳባት ብመብራህርሁ ብፅሑፍ ምሕታት ከምዝከአል::

17 ንተወሳኪ ሐበሬታ አበ ኮሚሽና ጥቓ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ናይ ሓባር ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቐፅሪ 268 ብኣካል ብምምፃእ ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344 404417 ምሕታት ይካኣል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo