ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት አብ 2009 ዓ/ም በጀት ዓመት ንትካልና ከገልግሉ ዝክእሉ ዝተፈላለዩ ናዉቲ ኤሌክትሮኒክስ (ከም ፕሪንተር :ላፕቶፕ ካልኦት): ሕትመት ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ መሰረት ጌርኩም ክትወዳደሩ እትደልዩ ብኣኽብሮት ፃዉዒት የቕርብ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፈይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት

1 ቫት /VAT/ ተመዝጋቢ ኮይኑ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓ/ም ናይ ቫት ዲክለሬሽን : ናይ ትወዳደርሉ ዘርፊ ንግደ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ 2009 ዓ/ም: መፍለይ ቁፅሪ ናይ ግብሪ/TIN/ ከፋላይ ከምኡ ዉን ሰርተፍኬት መቅረባየነት ከቕርብ ዝክእል::

2 ካብ ትካልና ደጋፊ/ከ /ስ/ዕ/ፋ/ን /ምምሕዳርን ካብ ዕለት 05/01/2009 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/ 01/ 2009 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ብብር 20 (ዒስራ ቅርሽ) ብምግዛእ ክተወስዱ ከምትክእሉ ብምፈላጥ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 19/ 01/ 2009 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ብምዕፃዉ ሕጋዊ ጨረታ ኮሚቴ አብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓት 8:45 ይኽፈት ብተወሳኪ ኣብ እዋኑ ምኽፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ክርከቡ ይኽእሉ እዩም::

3 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 4000 ቅርሺ: ኤሌክትሮኒክስ 4000 ቅርሺ :ንሕትመት 4000 ቅርሺ :ንመሳርሒ ፅሬ 4000 ቅርሺ ብ CPO /ብሲፒኦ/ ከትሕዙ ዝክእሉ::

4 ዝሳዓሮ ንብረት በቲ ዝወፀ ሰፐስፊኬሽን መሰረት ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጎዓዝያ መራገፍን ከቕርብ ዝክእል::

5 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::

ኣድራሻና: ትግራይ-መቐለ- ቀበሌ 18 /ሓድነት/ ንግስቲ ህንፃ ልዕሊ ደኩተር ፍፁም ብርሃን ዓይኒ ሕክምና ዝርከብ መንግስታዊ ትካል ትልምን ፋናንስን ከ/ከ/ሓድነት

ንዝተደለየ ሓበሬታ ስልኪ ደ/ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን 034846284 ሞባይል ቁፅሪ 0914 29 73 43 ወይ 0919447415 ብምድዋል ክረኽቡና ይኽእሉ እዩም::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo