ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ ንኣብያተ ፅሕፈት ከተማ ሰቲት ሑመራ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ሀለቅቲአቁሑትን: ሕትመታት :አቁሑት ፅሬት: አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ;:ኮምፒተርን ኮምፒትር አክሰሰሪን ናይ ንእሽተይን ዓበይትን መካይን ስፔራት :ናይ ግሪደር ስፔር :ሞተር ሳይክል: ናይ ስፖርት ዕጥቅታትብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሰቲት ሑመራ

ንዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚርኩም ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ትክእሉ

  1. ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምሉ ንግዲ ፍቃድኩም ዉን ዘሐደስኩም ምካንኩም ናይ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
  2. ቲን ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ዋናን ምስዘይምለስ ቅዳሕ ክተቅርቡ ይግባእ
  3. በቲ ዘርፊ ኣቅረባይነት ዝተመዝገብኩም
  4. ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም
  5. ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓም ዲክላራሸን ክተቅርቡ ይግባእ
  6. ተጫራታይ ናይ 6 ወርሒ ዉሕስና ክህብ ዝክእል
  7. ተጫረቲ ናይ መክበሪ ዉሕስና ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክተትሕዙ ይግባእ
  8. ተጫረቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ብበዓልኩም መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን መቀለ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 206 ክተቅርቡ ይግባእ
  9. ተጫራታይ ዝጫረተሉ ዋጋ ኣብ ዝገዝኦ ዋናን ናይ ጨረታ ሰነድ መሊእኩም ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባር እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ 15 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ምእታዉ ይከኣል
  10. እቲ ቤት ፅሐፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ 20 ሚኢታዊ ካብ ዉዕሊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ
  11. ጨረታ ሰነድ እንትምለስ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ስልክን ዘይቅርብ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን
  12. ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ኣብ ካልኣይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 206 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳደ ትክእሉ
  13. እቲ ተጫራታይ ኣብ ዝጫረተሉ ሰነድሓደ ዋናሓደ ቅዳሕ ነንበይኑ ዘቅርብን ብተዋሳኪ ነንበይኖም ብዝተዓሸገ ኮይኖም ኣብ ሕድሕድ ፖስታ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ብምግባር ክልቲኡ ብሓደ ዓብዩ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ዓብዩ ፖስታ ናይቲ ትካል ሕጋዊ ማህተም፣ ፊርማ፣ ኣድራሻ ፣ሽምን፣ ቁፅሪ ብምግባር ምቅራብ ዝክእል
  14. ናይ ዝገዝኦ አቁሑ ስፐስፊኬሽን ምስ ሰነድ ጨረታ ተተሓሒዙ ይርከብ
  15. እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ዕለት ኣብ መበል 16 መዓልቲ ናይ ንግሆ 20 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 3 ፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3 ፡30 ሕጋዊ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  16. ናይዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ 40 መዓልትታት እዮ
  17. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት አብ ዉሽጢ 15 ተከታተልቲ ማዓልትታት ከቅርብ ይግባእ ንሕትመት ስራሕቲ ድማ 20 መዓልቲ ይከዉን
  18. ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ናይ ተጫራታይ ፊርማ ዘይብሉ እንኮይኑ ተቀባልነት የብሉን
  19. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344480062/63 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo