ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ኣብ 2009 ዓ/ም ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት: ኣቁሑት ፅሬትን : አቁሑት ኤሌክትሮኒክስን :መለዋወጢ አቁሑት መኪና: ሞተር ሳይክላት :ጀነሬተር: ፈርኒቸራትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ግብሪ ከፈላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገበ

2 ወርሓዊ ተወሳኬ እሴት ታክስን ወረቀት ምስክር መቅረባይነት 2008 ዓ/ም ዘመላእኩም ሕጋዊያን ተወዳደርቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 5/01/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 19/01/2009 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ትክእሉ ኢኩም

3 እቲ ጨረታ 19/01/2009 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

4 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344450607/ 0282 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo