ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2009 ዓ/ም ንከተማ ዓ/ዓዲ ቤት ፅ/ት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ :ፅሕፈት መሳርሒ :ፅሬት ኣቁሑት :ፈርኒቸር ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዮ ዓዲ

በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2009 ዓ/ም ዘሐደስኩም::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክሲ/ቫት/ ኮይኖም ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓም ኣታዊ ዝገብርሉ ዋንኡን ምስ ሐደ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ::

4 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ናይ ግብሪ ኸፋለይ መለለይ ካርድ (TIN) ዘለኩም

6 ንጨረታ መክበሪ ንኤሌክትሪክስ ብር 1000 ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 5000 ንፅሬት ኣቁሑት ብር 4000 ንፈርኒቸር ብር 5000 ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 100.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር ቁፅሪ 9 ክፍሊ ሰነድ ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ደኩመን ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲÂ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማንÂ ብምፅሓፍ አብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ እናተሓሳሰበና::

9 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 3/13/2008 ዓ/ም ክሳብ 13/01/2009 ዓ/ም እንትከዉን 4:30 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 13/01/2009 ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/01/2009 ሰዓት 4:40 ናይ ንጉሆ::

12 አብቲ ሰነድ ጨረታ ወይ ዝወፀ Specification ምንክካእ ኣይፍቀድን

13 እቲ ጨረታ አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ

14 እቲ ዝሰዓርክምዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ከተማ ዓዓዲ ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ዘቅርብ

15 ቤት ፅ/ትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

16 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንክካእ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፍቀድን

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344460058 /460173 ብምድዋል ይሕተቱ

ኣድራሻ :Â ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo