ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንጉባኤ ትምህርቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ቆቢዕ ካናቲራ ሪባን: መለዋወጢ አቁሑ መኪና ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቀሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ
  1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
  2. መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘን መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእልን
  3. ተወሳኪ እሴት ዝተመዝገበ
  4. ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  5. ጨረታ ሰዓራይ ዉዕሊ ምስአሰረ ንሎትሓዳ አብ 45 መዓልቲ ንሎት ክልተ ኣብ 45 መዓልቲ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ንብረት ዕቀባ ብናይ ቢሮ ትምህርቲ በዓል ሞያ አረጋጊፁ ዘረክብ ክከዉን አለዎ
  6. ተጫራታይ ዘይምለስ ንሎትሓደ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 2 ዻጉሜን 2008 ዓም ክሳብ 10 መስከረም 2009 እንትከዉን ሰነድ ጨረታ 10 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ 1ይ ደብሪ ፈፃሚ ዕደጋ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል
  7. እቲ ጨረታ 10 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 8:45 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ፈፃሚ ዕደጋ ይክፈት
  8. መከበሪ ጨረታ ንቆቢዕ ካናቲራን ሪባንን 3000 ቅርሺ ንመኪና መለዋወጢ መኪና 5000 ቅርሺብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  9. ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ብደብዳበ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ወዕሊ ክኣስር ይግባእ
  10. ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንቆቢዕ ካናቲራ ሪባን ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ ይግባእ ን መለዋወጢ መኪና ድማ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ከረከብ ይግባእ
  11. እቲ ቢሮ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ቁፅርታት ስልኪ 0344403477 ወይድማ 0344408299 ወይድማ ብምድዋል ይኩን ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣ

Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo