ማእከል ምርምር ሕርሻ አክሱም ናይ ሕርሻ መሳርሕን: ናይ ላብራቶሪ አቁሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፋ እትደልዩ ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ማእከል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 3 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን ናይ 2008 2009 ዓም ዘሐደሰ

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብርን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ሓምለ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ

3 ልዕል ክብሉ ዝተጠቀሱ መረዳእታታት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ በቢ ሎቱ ከትሕዝ ዝክእል

5 ተጫረቲ ንእትወዳደርሉ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋየናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ካብ 3 ዻጉሜን 2008 ዓ/ም ክሳብ 13 መስከረም 2009 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ ከእትዉ ዝክእሉ።

2 እቲ ጨረታ 13 መስከረም 2009 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይንከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

3 ንዝበለፀ መምርሒ ተጫረቲ ምስ ሰነድ ጨረታ ሓቢሩ ስለ ዝሽየጥ ምርኣይ ይከኣል

4 እቲ ማእከል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347752274 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo