ዉቅሮ ጠቅላላ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ :መሳርሒ ሕትመት: መሳርሒ ፅሬት :ደምቢ ክዳን ማለትዉን ኣንሶላ ኮቦርታ ፍርናሽ ትርኣስን ንሑሙማት ናይ ለይቲ ክዳን ማለትዉን ፒጃማን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ሆስፒታል ዉቅሮ

ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም:

1 በቲ ዓዉደ ስራሕ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ከምኡ እዉን ቲን ናምበርን ኣብ ትልምን ፋይናንስን ብምቅረባይነት ዝተመዝገቡን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ

2 ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ መፅዐኒ መራጋፊ ከረክቡ ዝክእሉ

2 ንጨረታ መክበሪ ትሕጃ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ /CPO/ ከትሕዝ ዝክእል

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15/12 /2007 ዓ/ም እስካብ 30/12/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዘይምለሰ ብር 30 ከፊልካ ካብ ዉቅሮ ጠቅላላ ሆስፒታል ደ/ከ/ስራሕ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 1 ምዉሳድ ይከኣል

4 ተጫረቲ አብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ተወሳኪ ታከሱ ን ዊዝሆልዲንግ ዉን ሓዊሶም ወይድም ደሚሮም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣታዊ ይገብሩ

5 እዚ ጨረታ ዕለት 30/12/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት

6 ተጫረትቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሕቶ መብርሂ /ወይ መማሐየሺ እንትሃልዎም ናይ ጨረታ መኽፈቲ 5ተ መዓልቲን ልዕሊኡን እንትተርፎ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብፅሑፍ ከቅርቡ ዝኽእሉ ምካኖም

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ መምርሒ ተጫረቲ ሰነድ ይመልከቱ

       ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ሓበሬታ ምርካብ ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo