ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእከል ናይ ወርክሾፕ ንብረታት ናይ ቁንጅና ሳሎን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ንብረታት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ነጋዶ ንክተወዳደሩ ንፅዉዑ

ማእኸል ቤት ህንፀት ማይጨዉ

ምድብ 1 ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ መሰልጠኒ ወርክ ሾፕ ንብረታት

ምድብ 2 ናይ ሕጊ ተሃነፅቲ ደ/ኣንስትዩ ቁንጅና ሳሎን

1 ናይ 2008 ዓ/ም ዘተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግበሪ ኽፋላይ መለለይ ቁፅሪን ናይ መቅረባይነት መለለይ ካረዲን መረዳእታ ዘቅርብ

2 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ናይ ወርሒ ሰነ ዝከፈለሉ ወርሓዊ ድክለሬሽን ዘቅርብ ናይ ቁንጅና ሳሎን መቅረብቲ ዝኮኑ ግና ቫት ዘይብሎም እዉን የሓዉስ እዩ

3 መክበሪ ጨረታ ንምድብ 1 ብር 4000 ንምድብ 2 ብር 2000 ብጥረ ገንዝብ ወይ ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፈሊት ችክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት አቐዲሙ ከትሕዝ ዝክእል

4 ንሕድሕድ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 19/12/2008 ዓም ክሳብ ዕለት 03/13/2008 ዓም ዘይመለስ ብር 30 ብምካፋል ካብ ቤት ህንፀት ማይጨዉ ፋ/ዕ/ንብ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ምዉሳድ ይከኣል

5 ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ገፅ ናይ መቅረባይ ስምን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ

6 ዝተመልአ ጨረታ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተደለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣብ ማይጨዉ ህንፀት ፋ/ዕ/ንብ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 5ተ ምእታዉ ይከኣል

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 3/13/2008 ዓም ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ 8:00 ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ብዘይምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን

8 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 15ተ ናየ ስራሕ መዓለቲ ይከዉን

9 ኣሸናፊ ዝኾነ መቅረባይ ዉሳነ ጨረታ ካብ ዝፀደቀሉ ዕለት ድሕሪ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ንጨረታ መክበሪ ዘተሐዞ ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸዉን

10 ኣሸናፊ ዝኾነ መቅረባይ ዘሸነፎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ተካታተሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መፅዓን መራገፍን ትራንስፖርት ናብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእከል ከቅርብ ዝክእል

11 መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ሕለዉ እዩ

12 ብተወሳኪ መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 034770276Â ወይ 0348770046 0914106000/0914137645 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo