ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር ንከተማ ልምዓት ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ደረቅ ጉሓፍን ግሪነርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንሐደ ዓመት ክንስርሕ ስለዝደለና ሕጋዉያን ነጋዶ ክትጫረቱ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር

1 ናይ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ :ቲን /TIN/ : VATንግሪነሪ TOT እዉን ዝሐወሰ ዝተመዝገቡ እዋናዊ ሪፖርት (ቫት ዲክሌር) ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገቡ መረጋገፂ ዘቅርብን

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፍኬሽን ካብ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ም/ምርን ካብ ዕለት 13/12/2008 ዓ/ም ክሳብ 04/13/2008 ዓም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይከኣል

3 ናይ ደረቅ ጉሓፍ 15000 ጨረታ መክበሪ ብስፒኦ (ዓሰርተ ሐሙሽተ ሽሕ ብር) ከትሕዝ ይከኣል

4 ካብ መቀለ ፖሊ ቴክኒክ ክሳብ ድልድል ዓድሽምድሕን መስገሪ መስጊድ 03 ኮፕልስተን ዘሎ ጨረታ መክብሪ ብስፒኦ ብር 3000 ከትሕዝ ዝክእል

5 ካብ ማሕበር መንእሰይ ክሳብ ታሕታዋይ በሪ ሪፈረል ሆስፒታል ከባቢ ወዲ ሻንበል ዘሎ ጨረታ መክብሪ ብስፒኦ ብር 3000 ከትሕዝ ዝክእል

6 ካብ መቐለ ዓብይ ዓዲ ሓዲሹ አሳፋፓልት ዘሎ ጨረታ መክብሪ ብስፒኦ ብር 5000 ከትሕዝ ዝክእል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪኦም ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ብጥረ ገንዘብ የቅራብ

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/13/2008 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 4 /13/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ዝትኣሸገ ፖስታ ከቅርርብ ዝኽእል

11 ሰዓራይ ምስዓሩ ምስ አረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ብኣካል ብምቅራብ ዉዕሊ ክአስር ዝክእል

12 ኣድራሻና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሕታወይ በሪ

ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344418437 ደዊልካ ምሕታት ይክእሉ
Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo