ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፋላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ ክዕድግ ስለዝደለየ ብቲ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም

ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ

ብመሰረት እዚ ኣፍቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎም ረቀሕታት

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ መፍለዩ ግብሪ ከፋልነት ቁፅሪ (ቲን) ኣብ ዝርዝርዝ መቅረብቲ ዝተመዝገቡን ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ተክእሉ

2 መክበሪ ጨረታ ካብ ጠቅላላ ዋጋ እቲ ጨረታ 2% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ አለዎም ካብ ጠቅላላ ዋጋ ትሕቲ 2% ናይ መክበሪ ጨረታ ዘቅርብ ዉድቂ ይከዉን

3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ(ፎቶ ደስታ ከባቢ መቀለ ጥዕና ጣብያ ዝርከብ 1ይ ደብሪ ካብ ዕለት 10/ 12/ 2008 ዓም ክሳብ 19/ 12 /2008 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ምግዛእ ይካኣል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዝክፈተሉን ዕለት 19 /12 /2008 ዓም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

5 ዉዕሊ ዝእሰረሉን ንብረት ኣታዊ ዝግበረሉን እዋን ሰዓራይ ንዝሸነፎም አቁሑት በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ትክክለኛቶም ምስተረጋገፀ ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቢሮና ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብመእሳር ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ድማ ኣብ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲÂ ኣታዊÂ ንክገብር ዝግደድ ምካኑ ፈሊጡ ክጫረት ይግባእ

6 ተጫረቲ እተቅርብዎ ናይ መጫረቲ ሰነድኩም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ተባሂሉ ኣብ ኣብ ክልተ ፖስታ ነንበይኑ አሺግኩም ክተቅርቡ ይግቧእ

7 እዚ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ዝፀንሕ ይከዉን

8 ቢሮና ዝዕድጎም አቁሑት ከምአድላይነቱ 20% ናየ ምዉሳክን ናይ ምቅናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ቢሮና ዝሓሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03442403241 0914723696

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo