ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦ አብ 2009 ዓ/ም ንግልጋሎት ቤት ትምህርቲ ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ አቑሑት

2ይ ብርኪን መሰናድኦን ቤት ትምህርቲ መሰቦ
  • ናይ ፅሕፈት መሳርሒ
  • ናዉቲ ጨንፈር ማእከል
  • ሮቶ ናይ ማይ
  • ናይ ፅሬት ኣቁሐት

ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዝተፀርሑ ረቋሒታት ተማልኡ መቅረብቲ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 ናይ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋልነት መለለዩ ቁፅሪ ቲን ነምበር /Tin Number/ ከቕርብ ዝክእል

3 እዋናዊ ግብሪ ዝኸፈልኩምን መረዳእታ እተቅርቡ ክተቅርቡ እትክሉ

4 አብ ልዕሊ 100,000 ዕድጊት ዝሳተፍ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ከፋልነት መረዳእታ ዘቕርብ ክኾነ አለዎ

5 ሕጋዊ ናይ መቕረባይነት መረዳእታ ዘቕርብ

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ ዉሕስና ካብቲ ዘቕርቦ ጠቅላላ ዋጋ ክልተ ሚኢታዊ (2%) ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብሸም እዚ ቤት ትምህርቲ ከቕርብ ዝኽእል

7 እቲ ሰዓራይ ዉዕሊ ቕድሚ ምእሳሩ መኽበሪ ዉዕሊ ዉሕስና ካብቲ ዘቕረቦ ጠቕላላ ዋጋ ዓሰርተ ሚኢታዊ 10% ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእለ

8 ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ነቶም ኣቕሐታት ናብ ቤት ትምህርቲ ዘቕርብ

9 እቲ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ አበ ዉሽጢ ዓሰርተ (10) መዓለቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል

10 ዉዕሊ ድሕሪ ምእሳር እንተነዉሐ አበ ዉሽጢ ዓሰርተ (10) መዓለቲ አታዊ ክገብር ዝኽእል

11 ቅድሚ ዉዕሊ ምእሳር እቲ ቤት ትምህርቲ ዝርዝር ዝገዝኦም ኣቕሓታት ክሳብ ሚኢታዊ (20%) ነቲ ነፀላ ዋጋ ከይተንከፈ ክዉስክ ወይ ድማ ክንኪ ይኽእል

12 ካብቲ ሰነድ ወፃኢ ዝኾኑ ስፐሰፊኬሽናት (መፍለዩ) ተቐባልነት የብሎምን

13 መቕረብቲ ኣበቲ ሰነድ ንዝቕርብዎ ዋጋ ታክስ ዝሐዉስ ምኹዋኑ ክገልፁ አለዎም

14 ናሙና ከቕርብ እንተሕተት ከቕርብ ዝክእል

15 እቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን አብቲ ሰነድ ብዕሊ ክግለፅ አለዎ

16 እቲ ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 9/12/2008 ክሳብ ዕለት 24/9/2008 ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ይኸዉን

17 እቲ ጨረታ ዕለት 24/12/08 ሰዓት 3:00 ቅቀ ተዓፅዩ ዕለት 24/12/08 ሰዓት 3:30 ቅ/ቀ ይኽፈት

18 እቲ ሰነድ ከማላእ ከሎ መለለዩ ቀፅሪ ዕድጊት ክገልፅ አለዎ

19 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር ዒስራ (20) ብምክፋል አብ ፋይናንስን ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 2 ብምምፃእ ምዉሳድ ይከኣል

20 ቴክኒካዊ መግለፅን ፋይናንሳዊ መግለፅን ነንበይኖም ብኢንቨሎፕ ምስተኣሸጉ ኣብ ሐደ ዓብዩ ኢንቨሎፕ ከጥመሩ አለዎም

21 መቕረብቲ ንዘለዎም ሕቶታት ቅድሚ ምዕፃዉ እቲ ጨረታ ብፅሑፍ ከቕርብ አለዎም

22 እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

23 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ/ቁፅሪ ስልኪ 0914765469 / 0920173601 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

    አድራሻ ክፍለ ከተማ ሰሜን  ጥቓ እንዳ አቡና አረጋዊÂ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo