ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ን2009 በጀት ዓመት ኣብ ከተማ ማይ ፀብሪ ናይ ማይከል ፅርግያ መብራህቲ ኤለክትሮመካኒካል ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ንምስራሕ ደረጃ 5ን ልዕሊኡን ብፉሉይ ኤለክትሮመካኒካል ብርኪ ፍቃድ ስርሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከስራሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ

1 ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ናይ 2008 ዓም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልሉን ፍቃድ ዘሐደስሉን መረዳእታ ከቅርቡ አለዎም

2 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልልትግራይ ዝረከብ ቀንደ ከይዲ ስራሕ ኮንስተራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ወይድማ ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ስራሕ ፈቃድ ካብ በዓል ስልጣን ኢነርጂ ኢትዮዽያ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይደማ ቫት ተመዝገብቲ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎምን ቅድሚ ሐዚ ናይ ኤለክትሮ መካኒካል ኢንስታሌሽን ስራሕቲ ሰሪሖም ምካኖም ካብ ዝምልከቶ አካል ሕጋዊ መረዳእታ ዘቅርብን

4 ተጫረቲ ናይ 2008 ዓም ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ቴከኒካል መረዳእተኦም ከቅርቡ አለዎም

6 መከበሪ ጨረታ 30,000 ቅርሺ ካብ ባንኪ ብዝተዉሃበ ቼክ ወይድማ ሲፒኦ ወይዉን ናይ ባንኪ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዉሕስና ትካል ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ናይ ደገ መብራህቲ ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 ተከታተልቲ መዓልቲ ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚዞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 7 ነሓሰ 2008 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ኣብ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ዝሓዘ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕ ናይ ጨረታ ዉሕስና ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ሕድሕድ ዋናን ቅዳሕን ብማርከር ብምፅሓፍ ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖሰታ መሊሶም ብምዕሻግን ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን አድራሻን ብትክክል ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖሰታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 26 ነሓሰ 2008 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም

10 ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ሕድሕድ ገፅ እቲ መረዳእታ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ መረዳእታ እንተዛብዑ እቲ መረዳእታ ከምቲ ክሽየጥ እንከሎ ዝነበረ እንተይአጋደሉ ከቅርቡ አለዎም ዝተጋደለን ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛብዐን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ

11 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 26 ነሓሰ 2008 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ተዓፅዮ ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንግድን መጋዕዝያን ወረዳ ፀለምቲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ይክፈት

12 እቲ ከይዲ ስራሕ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346610374 Â

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo