ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ አብ በጀት ዓመት ን2007 ዓ/ም ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ መካይን መለዋወጢን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ::

ቢሮ ርክብ ዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ግልፂ ጨረታ

....../ኣቑ-03/2007

ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትግራይ አብ በጀት ዓመት ን2007 ዓ/ም ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ መካይን መለዋወጢን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት አብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትድልዩ ተወዳደረቲ እተማልእዎ ሮቑሓ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ መፍለይ ቑፅሪ/TIN/ አብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ::

2 መኽበሪ ጨረታ

ብር 3000/ ሰለስተ ሽሕ /ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ::

3 ዋጋ ሰነድ ጨረታ

ዘይምለስ ብር 30.00 ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ክልል ትገራይ ደጋፍ ኸይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ቢሮ ቑፅሪ 22 ካብ ዕለት 5/03/2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/03 /2007 ዓ/ም አብ ዘሎ መፂእኩም ምግዛእ ትክእሉ::

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዝኽፈተሉን ዕለት

4.1 ዕለት 15/03/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከበሉ ልዕል ኢሉ አብ ዝተጠቀሰ አድራሻ ብግልፂ ይከፈት::

5 ቢሮና ዝዕድጎም ኣቑሑት ከምአድላይነቱ 20 % ናይ ምዉሳኽ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

6 አብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ዘትሒዙ ዉዕሊ ብምእሳር አብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ንብረት አታዊ ክገብር ዝኽእል::

7 ሰዓራይ ንዘሸነፎ አቑሑት በቲ ዝወፀ ስፐሲፊከሽን መሰረት ኦርጅናልን አቁሑት ምካኖም ምስተረጋገፁ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቢሮና ኣታዊ ይገብር::

8 እዚ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጊዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልቲ ዝፀንዐ ይኸዉን::

9 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 ንዝበለፀ ሐበሬታ ቢሮና ዝርከበሉ ፊትለፊት አግኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል ::

ስቑ 0344- 40 -93 -43 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል እዩ::


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo