ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2009 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ

ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

ስለዚ ስዒቦም እንገልፆም ረቀሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ
  2. ተጨረታ መትሐዚ መክበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ይግባእ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ንነፍስወከፍ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይክእሉ
  3. ጨረታ ወፃኢ ካብ ዝትቃለሐሉ ማለት ዉን ካብ ዝተለጠፈሉ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቀሒ ካብ 7 ሓምለ 2008 ዓም ክሳብ 21 ሓምለ 2008 ዓም ኣብ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ክተእተዉ ትክእሉ
  4. ጨረታ ዝዕፀወሉ 21 ሓምለ 2008 ዓም ሰዓት 9፡00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ክፍሊ ቁፅሪ 245ይክፈት
  5. ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቀሒ መሰረት ኮይኑ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ብምንፃር ብክልተ ፖሰት ተዳሊዩ ከቅርቡ ይግባእ
  6. ናይ ጨረታ ዋጋ እንተናኣሰ ን45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ተጫረቲ በቲ ናይ ጨረታ ዋጋ 20% ክሳብ 6 ወርሒ ተወሳኪ ትእዛዝ ናይ ምርካብ ዕድል አለዎም እዩ
  7. እቲ ንብረት ንክንደይ እዋን ዉሕስና ከምዝወሃቦ ክግለፅ ይግባእ

አድራሻ

ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ለፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኣብ ኮምፕሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ 1 ማለት እዉን ብሎክ 1 ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245

እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344417637

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo