ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ዘገልገለ ንብረት ናይ መኪና ስፔራት ንጎማን: ፋክስ: ፕሪንተራት : ኮምፒተር :ዝተፈላለየ ቓሚ ንብረት ኣወዳዲሩ ንደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ክሸየጥ ይደሊ ስለዚ ካብዚ ንታሐቲ ዘሎ ረቃሒ እተማል ተጫረቲ ክተወዳደሩ ይዕድም

ቤት ምክር ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ Tin ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ (CPO) 1000 ብር ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ከቅርብ ዝክእል

4 ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናይ ዝሰዓረዎ ንበረት ገንዘብ አታዊ ክገብር ዝክእል

5 ተጫረትቲ ናይ ሰዓርዎ ንብረት ገንዘብ አታዊ ምስገበሩ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን ጉልበትን እቲ ንብረት ክልዕሉ ይግባእ ኾይኑ ግን ኣብ ዝተመደበሎም እንተዘይኣልዒሎም በቡ ዕለቱ 1/100 ብር በብመዓልቲ ካብቲ ዝተስዓረ ጠቐላላ ዉዕሊ መትሓዚ ዝክፈል ምካኑ ነፍልጥ

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 10/10/2008 ዓ/ም ክሳብ 20/10/2008 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምክሪ ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን 2ይ ፎቅ 10 ብር ብምክፋል ክትወስዱ ትክእሉ

7 ጨረታ ሰነድ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/10/2008 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ይኸዉን

8 ጨረታ ሰነድ ዝክፈተሉ ዕለት 20/10/2008 ዓም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት

9 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረትቲ ኣብ ዘቅረብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ካብቲ ጨረታ ንነብሶም ምግላልን ኣይክእሉን

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 ሰዓራይ ዝኾነ ዝለዓለ ዋጋ ዘቅረበ ይከዉን

12 ኣብ ጨረታ ዘሸነፈ ተጫረቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ኣብ ዝተዉሃቦም ግዜ ገደብ ዉሽጢ ቐሪቦም ናይ ንብረት 5% ናይ ጨረታ ዉዕሊ መክበሪ ንምሓዝ ዉዕሊ ምእሳር ግቡእ አለዎም

13 ተጫረቲ ደ.ኣ.ን.ት ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽተየን ንግዲ ተጣይሹ ኣብዚ ዓመት ዝተሐደሰ ብርኪ ዝገልፅ ሰርተፊኬት ከቅርቡ ዝክእሉ

14 ብመሰረት ዝአተዉዎ ዉዕሊ ብዝድለ ፅሬቱ ኣብ ዝተደለየ ግዜ እንተዘይፈዒሞም ብዉልቐ ተሐታቲ ከምዘኮነ ከፈልጡ ይግባእ

15 እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩÂ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo