ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መካይን መቀያየሪ ኣቅሓ አጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

ተወዳደረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወረሒ ሚያዝያ 2008 ዓ/ም ድክለር ዝገብረን ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ/TIN Number/ ዘለዎምን ከቅራብ ዝኽእልን

2 ጨረታ መኽበሪ /CPO/ ከትሕዝዎ ዝግባእ

  1. ንመካይን መቀያየሪ ኣቅሓÂ ብር 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/

3 ተወዳደረቲ ንዝሸነፍዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕል ኣሲሮም ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ክቕርቡ ዝኽእል

4 ተወዳደረቲ ኣብ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣ/ሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ

5 ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ሰነድ 30 ብር ብምኽፋል ዝመልእዎ ጨረታ ካብ ዕለት 22/09/2008 ዓ/ም ክሳብ 03/10/2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ረፋድ አብ ዘሎ ግዜ ኣብ መ/ቤትና ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ዝኽእሉ ኾይኖም አብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት

6 ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንዓሉ ሐደ ወርሒ ፀኒዑ ይፀንዕ

7 ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ

8 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo